የሱስ ይፈትወኹም እዩ

ኣብ ዓለም ዘይንርድኦም ብዙ ነገራት ኣለዉካብ መንጎ እዚኣቶምዉን ዉግዕ፣ ጥሜት፣ ብዉልቀ ዘጋጥመና ፀገማትን ሞትን ይጥቀሱ።

እግዚብሔ ፍቕሪ እንተኾይኑ እዚኦም ኹሎም ነገራት ንኽኾኑ ንምንታይ ይፈቅድ? ኢልና ንሓትትዉን ንኸዉን። ብርግፅ ናይ እዚኦም ነገራት ኹሉ መልሲ ንሕናዉን የብልናን። እወ ናይ ኹሉ ሕቶ መልስ የብልናን፣ ግና ሓደ ነገር ድማ ንፈልጥ፦

ንሱ እዉን የሱስ ንኣና ምፍታዉ እዩ!

ምፍታዉ ግና ብኸመይ ንፈልጥ? የሱስ ባዕሉ ሓደ ጊዜ ኸም ዝተዛረቦ፣ “ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኸሕልፍ ካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን።”

የሱስ ዝገበሮ እዚ እዩስለ ደቂ ሰባት ርእሱ ሂቡ ነዚ ክገብር ግና ነይርዎ ?

መልሱ እንታይ መሲሉኹም እወ ክገብሮ ነይርዎ ዝብል እዩ። ኣብ ዓለም ዘሎ ኹሉ ኽፍኣት መበገሲኡ ንሕና ደቂ ሰባት ሓጥያት ምስራሕና እዩ።

ኃጥያት ሰብ ካብ ሰብ ከምኡዉን ሰብ ካብ ኣምላኽ ይፈሊ። ኃጢያት ሰላም የጥፍዕ ፣ ኃጢያት ቅፅኣት የስዕብ፣ የሱስ ናትና ሓጥያት ኣብ ርእሱ ፀሮ። ናትና ሰላም ልምምላስ ናትና ቕፅዓት ንሱ ኸም ዝተቀበለ ነብይ ኢሳያስ ዝተዛረበና ገና ኣቀዲሙ እዩ።

እዚ ዝገበሮ እዉን ጎይታና የሱስ እንብዛ ስለዝፈትወና እዩ ኣብ ሓሳ ዉሽጢ ዘለና ገና ኸይተወለድና ጀሚሩ እዩ።

ጎይታና የሱስ ስሌና ክብል ብግፍዒ ንሙማት ዝፈቀደ ንሕና ንዘለዓለም ንክንነብር እዩ። ምስ እግዚኣብሔር ምስ ደቂ ሰባትን

ንዘላለም ብሰላም ንክንነብር ማለት እዩ።

ስለዚ ጎይታ የሱስ ኹላትና ንሕና ደቂ ሰባት

ሎሚዉን ይፈትወና እዩ እንትንብል ብምክንያት እዩ!

ንሱ እንተሞተ ሕጂ ግና ሕያው እዩምኽንያቱዉን ኣቡኡ ካብ ምዉታን ኣተንሲእዎ።

የሱስ ኸማና ሰብ ኾይኑ ላብዚ ምድሪ ስለዝመፀ ንሕና ንሓልፎም ኹሎም ኣፀገምትን ኣጨነቅትን ኹነታት ይፈልጦም እዩ።

ናትኹም ሕቶታት ኩሉ ይርዳዕ። ይኹን እምበር ሓደ እንኳዕ

እንተኾነ ፍቕሩ ብግዲ ንክርዳዕ ኣይገብርን። ዝፈተወ ግና ፍቕሩ ክቅበል ይኽዕል። ንስኻትኹምዉን ፍቕሩ ንክትቅበሉ ዕድል ኣለኹም።

ንሕና ፍቕ ተቀቢልና ዝተረዳዕናዮ ነገር እንተሎ፣ ፍቕሩ፣ ሰላሙን፣ ዕረፍቱን ሓቂ ምዃኑን እዩ!

የሱስ ናይ ዕረፍቲናይ ሰላምን ናይ ሓጎስን ፍልፍል እዩ። ክንፅሊ ከለና ይሰምዓና። ኣብ ዉሽጢ ፀገም እዋንን ኹነታትን እንተኾነ እዃ ምፅንናዕን ብርትዐን ይህበና።

ብዛዕባ የሱስ ብዝበለፀ ንምፍላጥ ትደልዩ ትኾኑ? ትደልዩ እንተኾንኩም ድልየትኹም ብፀሎት ንዕዑ ንገርዎ። ብዛዕባ ፍቕሩ፣ ሰላሙ፣ ዕረፍትን ሓጎስን ዝተረድኡ አመንቲ ኣብ ኸባቢኹም እንተሃልዮም ልኣኣቶም ኣዛርብዎም። ወይ ከዓ ኣብ ታሕቲ ብዘሎ ኣድራሻ ፀሐፉልና።

ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ይባርኹም!

 

Die Kommentare sind geschlossen.